ቤት ፍርዲ ስቶክሆልም ሎሚ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብፈተነ ምጭብርባር፣ ጥሕሰት ሕጊ ብረት፥ ከምኡ’ውን ን ግብረሽበራዊ ጉጅለ
PKK ብምምዋል ዝተኸሰሰ ሰብ ፍርዳዊ ውሳነ ክህብ እዩ። እቲ ሰብኣይ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ምስ ፈጸመ
ናብ ቱርኪ ኣሕሊፉ ክወሃብ ዓቃቢ ሕጊ ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ። ይኹን ጠበቓ ተኸሳስይ ነቲ ክሲ ድሕሪ ምንጻግ፡ እቲ ሰብኣይ ናብ ቱርኪ
እንተተስተሊሙ ኽሳቐን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ክግበረሉን ስለ ዝኽእል እዚ ክፍጸም የብሉን ክብል ተሟጊቱ’ሎ።