ኣብ ናይጀርያዊት ከተማ ኢባዳን ኣብ ዕሙር ዕዳጋ ብዘጋጠመ ዓሌታዊ ጎነጽ ብውሑዱ 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ቢቢሲ ሓቢራ። ነዚ ጎነጽ ስዒቡ ኣመሓዳሪ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኦዮ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ ጥራይ ምንቅስቓስ ዝፍውቅድ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ’ሎ። እዚ ግጭት ሓደ ዓረብያ ዝደፍእ ወዲ ሃውሳ ንሓደ ተወላዲ ዮሩባ ገጭዩ ድሕሪ ምቕታሉ እዩ ዝሰዓበ ምዃኑ እቲ ዜና ወሲኹ ጸብጺቡ። ደቡባዊ ምዕራብ ናይጀርያ መረበት ዓሌት ዮሩባ ምዃኑን ዓሌት ሃውሳ ብቐንዱ ኣብ ሰሜን ናይጀርያ ብብዝሒ ከም ዝነብሩን ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪዚ ኣጋጣሚ መንእሰያት ዮሩባ ብሰንበት መዓልቲ ኣንጻር ዓሌት ሃውሳ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ምጅማሮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ኣቦመንበር ማሕበር ነጋዶ ዕዳጋ ሻሻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዛጊት ዓሰርተ ዝሞቱ ሰባት ምርካቦምን ካልኦት 100 ዝኾኑ ድማ ከቢድን ፎኪስን መጒዳእቲ ከም ዝወረዶምን ገሊጹ። ብዘይካዚ ብደርዘናት ዝቚጸሩ ዱካናትን ኣባይትን እውን ከም እተቓጸሉ ተሓቢሩ። ኣፈኛ ፖሊስ ክልል ኦዮ ኦሉግቤንጋ ፋደዪ ፖሊስ ጸጥታ ኣብ ምሕላውን ግዳያት ኣብ ምእካብን ተዋፊሮም ምህላዎም ሓቢሩ’ሎ።