ሚኒስተር መራኸቢታትን ዲጂታላዊ ቊጠባን ናይጀርያ፡ ዒሳ ፓንታሚ፡ ብሰንኪ ጥሩፍ ርእይቶታቱ ስልጣኑ ክሓድግ ጻውዒታት ይቐርበሉ ምህላዉ ፕረዚደንት እታ ሃገር ገሊጹ።
ሚኒስተር ዒሳ፡ ብግብረ ሽበራውያን ኣልቃዒዳን ቦኮ ሓራምን ዝደናገጽ ርእይቶ ብምሃቡ እዩ ኣብ ከቢድ ነቐፌታ ወዲቑ ዘሎ። ኣብ ሓደ ካብ ዘረብኡ፡ መስራቲ ኣልቃዒዳ፡ ኦሳማ ቢንላደን፡ ካብኡ ንላዕሊ ዝሓሸ ኣስላማይ ምዃኑ ዘይኣመንቲ ክቕተሉ ምርኣይ እውን ባህ ከም ዝብሎ ገሊጹ ኔሩ። እዚ ቪድዮታት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርጋሕ ምስ ጀመረ ድማ ካብ ስልጣኑ ይውረድ ዝብል ጠለባት ከም ዝዛየደን ፓንታሚ ማስት ጎ ሃሽታግ ናይ ትዊተር መልእኽታት ይባዝሑ ምህላዎም ድማ ተሓቢሩ።
ኣፈኛ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ገርባ ሼሁ፡ “ዒሳ ነዚ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ግዜ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ዕስራታት እዩ ኔሩ። ዝመጽእ ዓመት 50 ይመልእ ኣሎ። ግዜ ተቐያዪሩ እዩ። ሰባት እውን ርእይቶኦም ይቕየር እዩ” ክብል ነቲ ጠለባት ከተሃዳድኦ ፈቲኑ’ሎ። እንተኾነ ግና እቲ ተቓውሞ ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ።