ናይ ጸጥታ ስግኣት እዮም ተባሂሎም እተለለዩ፡ እንተኾነ ግና ናብ ሃገሮም ክስጐጒ ዘይክእሉ ሰባት፥ ገለ ካብ መሰላቶም ክስእኑ
ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ መንግስቲ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፥ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ሕጊ
ክቕየር እማመኡ ኣቕሪቡ’ሎ። መንግስቲ ነዚ ጒዳይ ብዕቱብ ክርእዮ ካብ ቤት ጽሕፈታ መልእኽቲ ከም እተሰደሉ፡ ኣባል ሰልፊ
ሞደራትናን ሚኒስተር ስደተኛታትን ማርያ ማልመር ስተነጋድ ገሊጻ። ንሽወደን ናይ ጸጥታ ስግኣት እዮም ተባሂሎም እተለለዩ ሰባት፥
ተጠቀምቲ ናይቲ ብመንግስቲ ዝወሃብ “ማሕበራዊ ድሕነት” ክኾኑ ኣይግባእን፥ ክትብል ስተነጋድ ኣጠንቂቓ’ላ።
ኣብ ሽወደን፥ ኣብ ግብረሽበራ ወይ ድማ ገበናት ኲናት ተሳቲፎም እዮም ተባሂሎም እተለለዩ ሰባት፥ ኣብ ዓዶም ናይ ሞት ፍርዲ ወይ
ምስቓይ ክበጽሖም ይኽእል እዩ ብዝብል፥ ኣይስጐጒን እዮም። ዝበዝሑ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት፥ ኣብ ሽወደን ግዜያዊ ፍቓድ
መንበሪ ኣብ ልዕሊ ምርካቦም፥ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ድሕነት እውን ምዃኖም ሬድዮ ሽወደን ን ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን
ብምጥቃስ ሓቢራ። ገለ ካብዚ መሰላት፥ ኣገልግሎት ጥዕና፥ ስራሕ፥ መልዕሎ ወለዲን ናብ ካልኦት ሃገራት ምንቅስቓስ ዘኽእል
ናይ ጓኖት ፓስፖርት ምርካብን ዘጠቓልል እዩ።
ካብ 2017 ኣትሒዙ፥ እዚ ኣገባብ ንኽቕየር ምስ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝመርሖ መንግስቲ ብምዃን ክጽዕር ምጽንሑ፡
ዳይረክተር ጀነራል ኤጀንሲ ስደተኛታት ሚካኤል ሪክንቨግ ይገልጽ።
“እዞም ሰባት ኣብዚ እንተዘይህልዉ ምመረጽና፥ እንተኾነ ግና ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ስለ ዘለዎም ክቕመጡ እዮም” ክብል ምስ
ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ገሊጹ’ሎ።