ናይ ጊዜ ገደብ ኣብ ምቕይያራት ኣሰራርሓ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ተናዊሑ። ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን መሻርክቱ ሰልፍታትን ዝኮና ሰልፊ ሰንተርን ሊበራልን ን ናይ ግዜ ገደብ ምምሕያሻት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ካብ 2021 ናብ 2022 ከምዝተናወሓ ሚኒስትር ዕዮ ኤፋ ኖርድማክ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። እዚ ድማ ነቲ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብ ምዕማም ለውጥታቱን ኣብ ኣሰራርሑን ሓጋዚ ሙካኑ ትሕብር።
ብተወሳክውን ለውጥታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣብ Lagen om valfrihetssystem, LOV ዝተሞርከሰ ከምዘይከውን ሓቢራ። እዚ ድማ ጠለባት ተቓወምቲ ሰልፍታት ፡ሞደራትን ክሪስቲታን ደሞክራት ዘማልእዩ። valfrihetssystem, LOV ቀንዲ ጸቂጡ ዝሰርሓሉ ሰልፊ ሰንተር ከምዝኮንነን። እዚ valfrihetssystem, LOV ድማ ደለይቲ ስራሕ ባዕላቶም ኣብ ስራሕ ምድላይ ዝሕግዝኦም ናይ ግላዊ ኣራከብቲ ስራሕ ናይ ምምራጽ መሰል ዝህብዩ።
እዘን ናይ ግላዊ ኣራከብቲ ስራሕ ድማ ምስ ቤት ጽሕፈይ ዕዮ ስምምዕ ዘለወንዩ። እታ ሚኒስተር ብተወሳኪ ከም ዘስመረትሉ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ቤት ጽሕፈታቱ ኣብ ኩሉ ቦታታት ከምዝህልውዩ። ሓላፊ ጸጋማዊ ሰልፊ ኣቀዲሙ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዕማም ምእላይ ሚኒስተር ኤፋ ኖርድማርክ ከምዘወንዘፍዎ ድሕሪ እታ ሚኒስተር ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ።