ናይ ኤሌክትሪክ ስኩተራት: ኣብ ፈቐዶ ናይ ኣጋር መንገድታት ተደርብየን ምርኣይ: ንሰብ መዚ ከተማ ስቶክሆልም: ዘቖጥዕ ዘሎ ተርእዩ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጽ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ነዞም ተርእዮታት ንምቑጻይ: እተን ነዘን ስኩተራት ዘካርያ ኩባንያታት: ካብ ፖሊስ ፍቓድ ንኽሓታ ዘገድድ ሓድሽ እማመ ቀሪቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣብ ስቶክሆሎም ጥራይ: ልዕሊ 22 ሽሕ ስኩተራት ኣለዋ። እዘን ስኩተራት እዚኣተን ኣብ ፈቐዶ ናይ ኣጋር መንገዲ ተደርብየን ኢኻ ትረኽበን ክብል ከንቲባ መጓዓዝያ ስቶክሆሎም: ዳኒኤል ሄልደን: ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ: ነዘን ኩባንያታት: ንሓንቲ ስኩተር ዝኸውን ፍቓድ ንምርካብ: ዓመታዊ 1400 ክሮነር ክኸፍላ ከም ዘለወን ክገብር እዩ።
እዚ እማመ: ኣብ ዕለት 26 ነሓሰ: ናብ ኮሚቴ መጓዓዝያ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።