ንሃገረ ቻድ ብተረርቲ ኣእዳው ዝመርሐ ውልቀ መላኺ፡ ሑሴን ሃብሬ፡ ኣብ ሃገረ ሰኔጋል፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ከምዝሞተ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ብዝፈጸሞ ገበን፡ ገበን ኲናትን ካልእን ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። 79 ዓመት ዝዕድሜኡ ሃብሬ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ዘምጽኣሉ ምትሕላላኽ ጥዕና፡ ምሟቱ ዜናታት ውሽጢ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።
ሑሴን ሃብሬ፡ ኣብታ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ቻድ፡ ኣብ 1982 እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ክሳብ 40 ሽሕ ሰባት ከም ዝቐተለን 200 ሽሕ ድማ ኣካላዊ ምስቓይ ከም ዝወረዶምን ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ 1990 ካብ ወንበር ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ናብ ሰኔጋል ሃዲሙ ተዓቚቡ ኔሩ። ኣብ 2015 ኣብ ርእሰ ከተማ ሰኔጋል (ዳካ) ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።