ካብ ዕለት 16 ታሕሳስ ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብ ዓዲ ጣልያን ክበጽሑ ዝደልዩ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብቲ ዝብገስሉ ቦታ እንከለዉ፡ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ ሒዞም ክመጹ ከምዘለዎም ሚኒስትሪ ጥዕና ጣልያን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምግታእ ተባሂሉ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተኸትቡ በጻሕቲ፡ ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ክውሸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።
እዚ ብዓዲ ጣልያን ዝተወስደ፡ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ፡ ናይ ምርኣይ ስጉምቲ፡ ብኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ነቐፌታ ዘኒብዎ ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ኩለን ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ክንዲ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ ምሕታት፡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ምሕታት ከተኣታትዋ፡ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ዝሰርሓሉ ዘሎ ብምዃኑ።
መንግስቲ ጣልያን፡ ንደንጊግዎ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ከምዝጸንሕ ገይርዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።