ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣሜሪካ፡ ነቶም ካብ ኤውሮፓ ዝመጽዋ በጻሕቲ፡ ኣፈደጊኣ ዓጽያ ምጽናሓ ይፍለጥ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንበጻሕቲ ዝምልከት፡ ቀስ እናበለ ኣብ ግብሪ ዝውዕል መምርሒ ክተኣታቱ ወሲኑ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ኩሎም ዜጋታት ናይ ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ፡ ካብ ወጻኢ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ገያሾ፡ ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡ ክኾኑ ከምዘለዎም ዝብል መምርሒ ከመሓላልፍ ምዃኑ፡ ንመንግስታውያን ምንጭታት ብምጥቃስ AFP ሓቢሩ።
ኣሜሪካ፡ ዶባታ መዓስ ከምትኸፍትን እቲ ከተተግብሮ መደብ ገይራ ዘላ ናይ ክትባት መምርሒ ክሳብ መዓስ ከምዝጸንሕን ዝተወሰነ ግዜ ከምዘየለ ተሓቢሩ።