61% ፊንላንዳውያን ሃገሮም ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ Nato ክትጽንበር ድሌት ከም ዘለዎም ካብ መጋቢት 28-30 ብ ካንታር TNS ዝተኻየደ ዳህሳስ ሀልሲንጊን ሳኖማት ሓቢሩ። እዚ ናብ ኔቶ ምጽንባር ዝብል ሓሳብ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ረኺቡ’ሎ ክብል እቲ ጸብጻብ ጋዜጣታት ኣቢሉ ድሕሪ ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፋ 7-12 መዓልታት እዚ ደገፍ ብ 7% ወሰኽ ምርኣዩ እውን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ብኻልእ ሸነኽ ነዚ ኣባልነት ዝቃወም ድምጺ ካብ 21% ናብ 16% ጎዲሉ’ሎ። ርብዒ ካብቶም ኣብዚ ዳህሳስ ዝተኻተቱ 1,080 ሰባት ኣብዚ ጒዳይ ርእይቶ ካብ ምሃብ ከም እተቘጠቡ እቲ ዳህሳስ ኣመልኪቱ’ሎ።