ሓበሬታ ኣህጉራዊ ዜና ካብዝን ካብትን ውህደት ዜና ፖሎቲካ ኒው ዮርክ፣ ንመጀመርታ ግዜኣ ጓለንስተይቲ ኣመሓዳሪት ረኺባ። Khaled Abdu August 25, 2021 New York Gov. Kathy Hochul speaks to reporters after a ceremonial swearing-in ceremony at the state Capitol, Tuesday, Aug. 24, 2021, in Albany, N.Y. (AP Photo/Hans Pennink) NYHP107 ስቴት ኒው ዮርክ ንመጀመርታ ግዜ ብ ጓለንስተይቲ ትምራሕ ምህላዋ ተገሊጹ። ሎሚ ሰሉስ ካቲ ሆሹል መበል 57 ኣመሓዳሪት እታ ስቴት ንምዃን ቃለ መሓላ ፈጺማ’ላ። ሆሹል ነቲ ብጾታዊ ቅለት ተኸሲሱ ስልጣኑ ብፍቓዱ ዝሓደገ ኣንድሩ ኩዎሞ ተኪኣ እያ ስልጣን ኣመሓዳርነት ተረኪባ ዘላ። ኣብ 11 ነሓሰ ብዝተገብረ ናጻ መርመራ ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ ኣንድሩ ጾታዊ ምትንኻይ ከም ዝፈጸመለን ምኽሳሰን ተፈሊጡ። ሆሹል ኣብ ቡፋሎ እያ ተወሊዳ። ብ ሞያ ናይ ሕጊ ክኢላ ዝኾነት ሆሹል ኣብ ዓመታት 2011ን 2013ን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ኣገልጊላ እያ። ሕጂ ኣመሓዳሪት ስቴት ኒው ዮርክ ኮይና ዘላ ሆሹል ጒዳይ ለበዳ ኮሮና፥ ቊጠባን ካልእን ብድሆታት ከም ዝጽበይዋ ጋዜጣ New York ገሊጻ’ላ። Continue Reading Previous: ኣመሪካ፥ ጆ ባይደን ብምኽንያት ዕልቕልቕ ማይ ህጹጽ እውን ኣዊጁ።Next: ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ክረአ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ Related Stories ጡረታ እቶት ኣብ 2025 ብኣርባዕተ ሚእታዊት ክውስኽ እዩ ዜና ጡረታ እቶት ኣብ 2025 ብኣርባዕተ ሚእታዊት ክውስኽ እዩ October 22, 2024 ሳፖ፡ ግብረሽበራ እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ መስመራት ድብዝዝ እዩ ዜና ሳፖ፡ ግብረሽበራ እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ መስመራት ድብዝዝ እዩ October 22, 2024 ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ነበር ኣብ ሶማልያ ብጥይት ተቐቲላ ሃገራዊ ዜና ዜና ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ነበር ኣብ ሶማልያ ብጥይት ተቐቲላ October 22, 2024