መራሒት ጸጋማይ ሰልፊ ኑሺ ዳድጎስታር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ፖድካስትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካብ ዝኾነ
ካልእ መራሒ ሰልፊ ሽወደን ብዝወሓደ እትጥቀስ ሰብ ምዃና ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ብመሰረት ትካል ድምጺ ካንታር ፓብሊክ
ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ዳህሳስ መራኸቢ ብዙሃን ሽወደን ኮይኑ፥ ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኡልፍ ክሪስተርሾን
ብመጠን ተጠቃስነት መራኸቢ ብዙሃን ቅድሚት ተሰሪዑ’ሎ። ዳድጎስታር ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ናይዚ ዝርዝር ዝኾነትሉ ምኽንያት
ኣብዚ እዋን’ዚ ዝዓበዩ ዛዕባታት ሽወደን ን ጸጋማይ ሰልፊ ብዙሕ ድጋፍ ዘውህቡ ዘይምዃኖ እዩ ክብል ካንታር ፓብሊክ ትንተናኡ
ኣቐሚጡ’ሎ።