ዕድሜኦም ትሕቲ 26 ዝኾኑ ልዕሊ 300 ነጠፍቲ ክሊማ፡ እንተላይ እታ ህብብቲ ግሬታ ቱንባሪ፡ መንግስቲ ክሊማዊ ለውጢ
ንምቅላስ እዂል ስጒምቲ ኣይወሰደን ብምባል ከሲሶም። ውድብ “ኦሮራ” ነዚ ክሲ ንክልተ ዓመታት ከዳሉ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ
ዝሓለፈ ኣየት ናብ ቤት ፍርዲ ኣእትዮም ኣለዉ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ወረዳ፡
እዚ ጒዳይ ንክሲ ክቐርብ ዝኽእል እኹል ምኽንያት ኣለዎ” ብምባል “ቀጠልያ መብራህቲ” ከም ዝሃቦ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።
"ሓደ ዓብዪ ቊምነገር ዘለዎ ነገር ንሰርሕ ከም ዘሎና መረጋገጺ ብምርካብና ደስ ኢሉና’ሎ። ንመንግስቲ ሽወደን እንኸሰሉ ዘሎና
ምኽንያት፥ ክኽተሎ ዝጸንሐ ፖሊሲ ክሊማ ነቲ ብድሆ ዘይበቅዕ ብምዃኑ እዩ። እዚ ፖሊሲ ዘይሓላፍነታዊ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ
ሓደገኛን ዘይሕጋዊን እዩ” ክትብል 23 ዝዕድሜኣን መላፍንቲ ኣፈኛን “ኦሮራ” -ኢዳ ኤድሊንግ ገሊጻ’ላ።
“መንግስቲ ሽወደን ናይ ምንባር መሰል ሓዊሱ፡ ካልእ ሰብኣዊ መሰላትና ከውሕስ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዎ። እንተኾነ ግና ዝኽተሎ
ዘሎ “ፖሊሲ ኣከባቢ” ነዚ መሰላትና ዝግህስ እዩ። በዚ ድማ፥ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕጊ ብምጥሓሶም ኢና ንኸሶም ዘሎና።
ዴሞክራሲን ግዝኣተ ሕጊን ኣብ ዘለዎ ስርዓት፥ ሕጊ ዝጠሓሰ ማንም ይዂን ብዘየገድስ ክኸሰስ ይግብኦ እዩ፥ ውድብና ኸኣ ነዚ
እዩ ጌሩ ዘሎ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ተመሳሰልቲ ዕዉታት ክሲታት ኣብ ልዕሊ መንግስታት ነዘርላንድስ፡ ኣየርላንድ፡ ጀርመንን ካልኦትን ቀሪቦም ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን
ጸብጺባ’ላ። ንብዙሓት ኣህጒራውያን ክሲታት ዘጽንዐን ኣብ ስቶክሆልም ዩኒቨርሲቲ መምህር “ከባብያዊ ሕጊ”ን ዮናስ ኤፕሶን፥
እዞም ከሰስቲ ሽወደን ክዕወቱ ድዮም ወይስ ካልእ ርእይቶ ንምሃብ ገና ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። “መልሲ መንግስቲ ሽወደን ምስ
ሰማዕና፡ ድሕሪኡ እቲ ክሲ ናብ “ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ምስ ኣእተዉዎ” ውጽኢቱ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና” ክብል
ኤፕሶን ወሲኹ ሓቢሩ።