ሓላፊ ኣሃዱ ጸረ ገበን በዓልመዚ ግምሩኽ ናብ ኦስካር ሊንድቫል ኣብ ዝለኣኾ ለበዋ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መስተ ወይ ድራግ እንከለዉ ዓበይቲ መካይን ዝዝውሩ መራሕቲ መካይን ጽንክር ዝበለ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ጻውዒት ጌሩ’ሎ።
ንሱ ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ” እዚ ተርእዮ፡ ዓቢ ሽግር ዝፈጥር እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰታያት መራሕቲ መካይን ዝወሃብ መቕጻዕቲ ክተርር ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ብዝሰኸረ ሰብ ወይ ኣብ ትሕቲ ጽልዋታት ድራግ ዘሎ ሰብ እትዝወር ክብደታ 30 ቶን፡ ቁመታ ድማ 14 ሜትሮ ዝኾነት መኪና፡ ኣዝያ ሓደገኛ ክትከውን ከምትኽእል ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መስተ ዝዝውር መራሕ መኪና መቕጻዕቱ 6 ወርሒ ማእሰርቲ ወይ ድማ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ እዩ። እቲ ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ኣልኮል ኣዝዩ ምስ ዝልዕል (ልዕሊ 1.0 ብመዐቀኒ መጠን ኣልኮል) ድማ ክሳብ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ እዩ።
በዓልመዚ ግምሩኽ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብተን ዓመታዊ መርመራ ዝገብረለን 50 ሽሕ መካይን እተን 400 ዝኾና መካይን ብስኹራን ከም ዝዝወራን እተን ዝበዝሓ ድማ ዓበይቲ መካይን ምዃነን ሓቢሩ።