መንግስቲ ቼክ ሪፓብሊክ ካብ ሽወደናዊ መፍረ ኣጽዋር “ቢኤኢ ሲስተምስ ሃግሉንድስ” 240 CV90 ዝዓይነተን ናይ ኲናት
ተሽከርከርቲ ክትሽምት ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ሸመተ ኣጽዋር ክሳብ 22 ቢልዮን ክሮና ዝበጽሕ ኮይኑ፥ መለዋወጢ ኣቕሑን
ስልጠናን እዋን ዘጠቓልል እዩ። እዚ መሸጣ “ቢኤኢ ሲስተምስ ሃግሉንድስ” ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየዶም እቲ ዝዓበየ ምዃኑ፥
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኲባንያ ቶሚ ጉስታቭሰን-ራስክ ገሊጹ’ሎ።
“ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብዚ ትካል CV90 ዝዓይነተን ናይ ኲናት ተሽከርከርቲ ገዚአን ኣለዋ። ዓሚ ጥራይ ስሎቫክያ ናይ 14
ቢልዮን ክሮና ሽመታ ጌራ እያ። እዚ ሃገረ ቼክ ሪፓብሊክ ጌራቶ ዘላ ሸመተ ግና ኣዝዩ ዓብዪ እዩ” ዝበለ ጉስታቭሰን፥ እዚ ሸመታ
ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ልዝብ ይካየድ ምህላዉን፥ 10 ሚእታዊት ካብዘን ተሽከርከርቲ ኣብታ ሃገር ክገጣጠማ ምዃነንን
ወሲኹ ኣመልኪቱ’ል። እዚ እናኾነ፥ እዚ ሸመታ ኣብ መንጎ ሽወደንን ቼክ ሪፓብሊክን ዘሎ ናይ ምክልኻል ምትሕግጋዝ ዘደንፍዕ
እዩ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፖል ዮንሰን ናብ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሰደዶ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሓቢሩ’ሎ።
ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ናብዚ ትካል ዝመጽእ ጠለብ ኣጽዋር እናዓበየ ምምጽኡ ጉስታቭሰን-ራስክ ኣመልኪቱ’ሎ።