ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ሆንግ ኮንግ ዝጸዓነቶ እገዳ፡ ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኣመሪካን ገለ ትካላትን እገዳ ከም ዘንበረት ቢቢሲ ገሊጻ።
እዚ እገዳ፡ ንጸሓፊ ንግድ ኣመሪካ ነበር፡ ዊልበር ሮስ፡ ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ምክትል ጸሓፊት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ወንዲ ሸርማን፡ ናብ ቻይና ምብጻሕ ክትገብር ሒደት መዓልታት ተሪፉዋ እናሃለወ፡ እዚ እገዳ ምምጽኡ፡ ኣዘራራቢ ጌርዎ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።