ቢቢሲ፡ ኣብ ኣውራጃ ሄናን ዕልቕልቕ ተኸሲቱ ብዝብል ናይ ሓሶት ዜናን ምድንጋርን ፈጢሩ ክትብል ቻይና ከሲሳ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣፈኛ ጒዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ዣው ሊጅያን፡ ቢቢሲ ካብ ስነምግባር ጋዜጠኝነት ወጻኢ ናይ ሓሶት ዜናታት ብምስራሕ ንቻይና ጸለሎ ይቐብኣ ኣሎ” ኢሉ። ሊግ መንእሰያት ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ኣብታ ኣውራጃ፡ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ናይ ጒዕዞ እገዳ ክግበረሎም ጻውዒት ጌሩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ከተማ ዤንግዡ፡ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 500 ዝኾኑ ድማ ብምብልሻው ትሕቲ መሬታዊ ስርዓት እታ ከተማ ተዓጊቶም ኣለዉ ዝብል ዜና ተጋዊሑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ብዛዕባ እዚ ውሕጅ ዝጽብጽቡ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ወጻኢ “ብዛዕባ ቻይና ሕማቕ ስእሊ ተጋውሑ ኣለኹም” ዝብል ጸቕጢ ካብ ሰብመዚ ይመጾም ምህላዉ፡ ጋዜጠኛታት AFP ዘልዓልዎ ስእሊታት ምዕናው እቲ ትሕተ ቅርጺ ኸኣ ብነበርቲ እታ ከተማ ክድምሰስ ከም እተገብረ እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ።