ቻይናውያን ኣውፈርቲ በብግዜኡ ብዙሓት ኲባንያታት ሽወደን ይገዝኡ ኣለዉ ክብል ሓድሽ መጽናዕታዊ ውጽኢት ትካል ምክልኻል ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። “ቻይና ኣብ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት፡ ማሽነሪ፥ ባዮቴክኖሎጂ፥ ኣይሲቲን ኤለትሮኒክስን ሓድሽ ተገዳስነት ተርኢ ኣላ” ክብል ተንታኒ ፖሊሲ ድሕነት እቲ ትካል ጀርከር ሄልስትሮም ይገልጽ። እቲ ትካል ብደረጃ ሰብ ሃብቲ ውልቀሰባት ወይ ኲባንያታት ቻይናውያን ዝገበርዎ ዕድጊ ዝድህስስ 51 ኣብነታት ኣቕሪቡ። እዘን ኲባንያታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት እየን ተሸሚተን ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተ ኲባንያታት፥ ማለት SF Bioን ሆቴል ራዲሰንን ሽወደን ከምኡ’ውን ንእስ ዝበለ ብርኪ ስፖቲፋይን ቮልቮን ብቻይናውያን ኣውፈርቲ ተወኒኑ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ። “እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ግና” ይብል ሄልስትሮም ካብ FOI “ኣብ ኢንዱስትርያዊ ቴክኖሎጂን ባዮኬሚስትሪን ዝነጥፉ ኲባንያታት ናብ ኣውፈርቲ ቻይናውያን ምቕራቦም እዩ። እዞም ኲባንያታት ኣብ ስትራቴጂ ልምዓት ቻይና ስርሒታዊ ርክብ ዘለዎም እዮም።
እቲ ኣዝዩ ዝገረመና ናእሽቱን ብዙሕ ቴክኖሎጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ኲባንያታት ኣብዚ ጠመተ ቻይና ዘይምእታዎም እዩ። ምናልባት ናእሽቱ ብምዃኖም ዶ ይኸውን ዝብል ግምቱ’ውን ኣስፊሩ’ሎ። ኣብ ሽወደንን ኣውሮጳን ዝግበር ወፍሪ ቻይና ብጥንቃቐ ክተሓዝ ድማ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ወፍሪ ቻይና ኣብ ሽወደን ጥራይ ዘይኰን ብደረጃ ኣህጒር ኣዝዩ ይጎልሕ ምህላው ነዚ መጽናዕቲ ከም ዝደረኾ ድማ ተመልኪቱ’ሎ።