ቻይና ዕዉት ምዕላብ መንኰርኰር ኣብ ፕላኔት ማርስ ከም ዘካየደት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ሓቢረን። እዛ ሽዱሽተ ተሽከርከርቲ ኣእጋር ዘለዋ መንኰርኰር ኣብ ሰሜናዊ ዋላታ እታ ፕላኔት ዓሊባ’ላ። እዛ መንኰርኰር ናብ ምድሪ ማርስ ንምዕላብ መከላኸሊ ድርዒ ጃንጥላን መዕለብ መንኰርኰርን ከም እተጠቕመት ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ ዕዮ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምስ ምዃኑ ከም ዓብዪ ዓወት ቻይና ተራእዩ ኣሎ። ዛጊት ናብ ማርስ ዝዓለበት መንኰርኰር ዝለኣኸት ሃገር ኣመሪካ ጥራይ ኮይና ምጽንሓ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ካልኦት ነዚ ዝፈተና ሃገራት መንኰርኰራተን ተቓጺለን ወይ ምስ ዋና መደበር ርክብ ኣቋሪጸን ከም ዝጠፍኣን ዕዉት ምዕላብ ክፍጽማ ከም ዘይከኣላን ይፍለጥ። ፕረሲደንት ቻይና ዢ ፒዢን በዚ ፍሉት ዓወት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ’ሎ።