ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩጊር፡ ምጽናት ዓሌት ምፍጻማ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ሓደ ዘይወግዓዊ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።
እዚ መጋባእያ፡ ህዝቢ ዩጊር፡ ብቐንዱ ነቲ ብመንግስቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ እተኻየደ ዘይሕጋዊ ናይ ወሊድ ምቊጽጻርን ምምካንን ስጒምቲታት ብምጥቃስ እዩ ናብዚ መደምደምታ ብጺሑ። ቻይና ኮነ ኢላ ብውዱብ ኣገባብ ነዚ ፖሊሲ ምጽናት ዓሌት ከም ዘተግበረትን ኣዕጋቢ ምኽንያታት ምርካቦም ነዚ ስምዕታ ቤትፍርዲ ዝመርሐ ህቡብ ናይ ሕጊ ሰብ፡ ሰር ጀፍሪ ናይስ፡ ገሊጹ’ሎ።
ንሱ ን ዩጊር ሓዊስካ ንኻልኦት ዓሌት ቻይናውያን፡ በዚ ኣቢልካ ቊጽሮም ትርጒም ዘይብሉ ክሳብ ዝኸውን ንምጒዳል መንግስቲ ቻይና ኮነ ኢሉ ከም ዝሰርሐ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ኣውራጃ ዢንዣን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስላም ቻይናውያን ንእተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ብቐዳምነት ዝሕተት ፕረሲደንት እታ ሃገር፡ ዢ ዢንፒን፡ ምዃኑ እቲ ጒጅለ ወሲኹ ኣረዲኡ።
እዚ ብጠበቓታትን ምሁራትን ዝቖመ ጒጅለ ውሳነኡ ዝኾነ ሕጋዊ ሓይሊ ዘይብሉ እኳ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩጊር ንእተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ተወሳኺ መርትዖታት ምቕራብ ቀንዲ ዕላማኦም ምዃኑ ኣብ ምጅማር እቲ መጋባእያ ገሊጾም እዮም።
መንግስቲ ቻይና ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ኣውራጃ ዢንዢያን ተፈጺሙ ዝበሃል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሓሶት እዩ ክብል ክሒድዎ ኣሎ።