ኣብ ጽንብል መበል 100 ዓመት ምምስራት ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና: ፕረሲደንት ዢ ዥንፒን: ኣብ ዘቕረቦ መደረ “ቻይና ብማንም ሓይሊ ክትጒዕጸጽ ኣይከነፍቅድን ኢና” ምባሉ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። እዚ መደረ ብቐንዱ ንኣመሪካ ዝምልከት ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ’ለዉ።
ኣብቲ ኣኼና ዝተሳተፉ ተሳተፍቲ ብኣዝዩ ደሚቕ ጣቕዒት ዘሰነይዎ መደረ ምንባራ ወኪል ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። ኣመሪካ ንቻይና ኣብ ሆንግ ኮንግ ብእትኽተሎ ፖሊሲን ኣብ ዚንዚያንግ ብቻይና ተፈጺሙ ብእትብሎ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ነታ ሃገር ክትወቕሳ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።
ዝምድና ቻይናን ኣመሪካን ብፍላይ ድማ ኣብ ጒዳይ ታይዋን ብውጥረት ዝመልአ ምዃኑ እዩ ዝንገር። እታ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዝተኸለት ታይዋን ንገዛእ ርእሳ ከም ሉኣላዊት ሃገር እኳ ትርኢ እንተኾነት ቤይጂንግ ግና ኣካል ቻይና እያ ዝብል ዝጸንዐ ፖሊሲ እያ ትኽተል።
ቻይና እንድሕሪ ንታይዋን ብሓይሊ ክትጐብጥ ተንቀሳቒሳ ታይዋን ንገዛእ ርእሳ ንክትከላኸል ኣመሪካ ምሉእ ሓገዝ ክትህባ ሕጋዊ ደገፍ ከም ዘለዋ እያ ትገልጽ።
ቻይና ንምውህሃድ ቻይናን ታይዋንን ኣጽኒዓ ከም እትሰርሕ ዢ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብኣጽናኦት ኣስሚርሉ’ሎ።
ንሱ “ህዝቢ ቻይና መሬቱን ሉኣላውነቱን ንምኽባር ዘለዎ ቆራጽነት ኲሉ ክግበዘቦ ኣለዎ” ኢሉ።