ፈደራላዊ ምርጫ ጀርመን፡ ኣስታት ሓደ ወርሒ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሕጹያት ናይተን ቀንዲ ሰለስተ ሰልፍታት ጀርመን፡ ትማሊ ሰንበት፡ ብተለቪዥን ዝመሓላለፍ ክትዕ ከምዘካየዱ ማዕከን ዜን RTL ፈንዩ ክብል ተተ ኣቃሊሑ።
ኣርሚን ላሸት፡ ንሰልፊ ክሪስትያን ዲሞክራት፡ ኦላፍ ሾልዝ ንሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት፡ ኣናሌና ባየርቦክ ድማ ንሓምላይ ሰልፊ ብምውካል፡ ነቲ ኣብ ዕለት 26 መስከረም ዝካየድ ምርጫ፡ ንቻንስለር ጀርመን፡ ኣንጀላ መርኬል፡ ንኽትክኡ፡ ነፍሲ ወከፎም ብቕዓት ከምዘለዎ ንህዝቢ ንኸእምን ብሓንሳብ ተረኺቦም ክትዕ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።
ኣብ ናይ ጀርመን ፈደራላዊ ምርጫ ዝነበረ ኣቋውማ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ብሰንኪ ማሕበረ ሰብ ጀርመን፡ ኣብ ልዕሊ ሓምላይ ሰልፊ ዘለዎ ደገፍ ብምውሳኹ፡ እቲ ብክርስቲያን ዲሞክራትናን ሶሻል ዲሞክራትናን ጥራይ ዝዕብለል ዝነበረ ምርጫ፡ ካብ ንቡር ወጻኢ፡ ኣብ መንጎ ሰለስተ ሰልፍታት ከምዝኸውን ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ሕጹያት ዝነበረ ቀዳማይ ተለቪዥናዊ ክትዕ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ከምዝተኻየደ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ። እቲ ዝቕጽል ተለቪዥናዊ ክትዕ፡ ኣብ ዕለት 12 መስከረም ዝካየድ ኮይኑ፡ ብህዝባውያን ቻነላት ARD ን ZDF ክመሓላለፍ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።