እቲ “ሕሱም ቀታሊ” እናተባህለ ዝፍለጥ ሓለቓ ማፍያ ቺቺልያ፡ ጆቫኒ ብራስካ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍታሑ፡ ህዝቢ ቊጥዐኡ ይገልጽ ኣሎ ተባሂሉ።
ኣካላት ህጻን ኣብ ኣሲድ ካብ ምሕቃቕ ኣትሒዙ ዝተፈላለየ ዘስካሕክሕ ገበናት ከም ዝፈጸመ ዝንገረሉ ሓለቓ ማፍያ፡ 100 ዝኾኑ ቅትለታት ምፍጻሙ ከም እተኣመነ ተገሊጹ’ሎ። ሓደ ካብ ግዳያቱ ድማ ኣኽባር ሕጊ ጆቫኒ ፋልኮን እዩ። ኣብ 1992 ዋና መርማሪ ጸረ ማፍያ ነበር፡ ጆቫኒ ፋልኮንን በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ሓለውቱን በዚ ማፍያ ምስ ተቐትሉ፡ ዓብዪ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምንባሩ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ፡ ንወዲ 11 ዓመት ክሒዱኒ እዩ ዝበሎ ኣባል ማፍያ፡ ኣሳቕዩ ድሕሪ ምቕታል ኣካላቱ ኣብ ኣሲድ ከም ዘሕቀቖን ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ኑዛዜ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ጸኒሑ ግና ብሩስካ ሰላይ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብምዃን ኣብ ምህዳን ኣባላይ ማፍያ ከም እተሓባበረ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ድሕሪ ናይ 25 ዓመታት ማእሰርቲ፡ ናጻ ተፈንዩ ዝብል ዜና፡ ኣብ ስድራቤት ግዳያት ዓብዪ ቊጥዐ ኣለዓዒሉ’ሎ።
64 ዝዕድሜኡ ጆቫኒ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ብዋሕስ ከም ዝጸንሕ ተገሊጹ’ሎ።