ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ህጻናት፡ ንዝቕጽል 12 ኣዋርሕ፡ ናብ ሞት ዘቃልዕ ጥሜትን ስእነት መኣዛታትን ተቓሊዖም ምህላዎም UNICEF ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ፡ መርመራ ካብ እተገብረለን ጥኑሳት ደቀንስትዮ፡ እተን ፍርቀን፡ ከቢድ ስእነት መኣዛታት ከም ዘለወን፡ ንሳተን ወይ ኣብ ማህጸነን ዘለዉ ዕሸላት፡ ንዝለዓለ ሓደጋ ሕማም ተቓሊዐን ምህላወን UNICEF ገሊጹ’ሎ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ትግራይ ከየጋጥም ዘሻቕለና ዝነበረ ኲነታት፡ ሕጂ ይገሃድ ኣሎ፡ ክብል UNICEF ንመግለጺኡ ኣስሚሩሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብስእነት መኣዛታት ተጠቒዖም ዝበሃሉ ዘለዉ ቆልዑ፡ ካብቲ ንቡር ብ10 ዕጽፊ ዛይዱ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ፡ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ብመንግስታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ህወሓት ኲናት ምኽፋቱ ይዝከር። ኣብ 2021 ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ጃምላዊ መርሸንቲን ጾታዊ ዓመጽን ሓዊስካ ገዚፍ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም እተፈጸመ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ወርሓት፡ ሰነን ሓምለን፡ ብ ህወሓት ዝምራሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ንዝበዝሕ መሬት ትግራይ ምስ ተቘጻጸረ፡ ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ብUN ዝተዳለዉ ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኽልተ ሳምንታት ዝኣክል ተዓጊቱ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።