ትካላት ግብረስናይ ሽወደን (SIDA) ንውድብ ኣፍሪቃ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው የብሎ። ከቢድ ናይ ብልሽውና ምቅላዕ ድሕሪ ምግጣሙ SIDA ንውድብ ኣፍሪቃ ኢንተርፕራይዝ ቻሌንጅ ፋንድ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ንግዚኡ ምቊራጹ ተገሊጹ። እቲ ውድብ ነቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ሓገዝ ናብ ናይ ግሊ ረብሓኡ ኣውዒልዎ ብዝብል እዩ ነዚ ናይ ምቊራጽ ሓገዝ ስጒምቲ ዝወሰደ። ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከቡ ወነንቲ ናእሽቱ ትካላት ናይ ንግድ ስራሕ ከሳልጡ ንምሕጋዝ እዩ እዚ ትካል ተጣይሱ ክሰርሕ ጸኒሑ።
እዚ ትካል መንግስታዊ ኮይኑ ብቢልዮናት ብዝቚጸር ባጀት እዩ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ። ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ድኻታታ ሃገራት ብፍላይ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ’ውን ተገሊጹ። እቲ መርመራ ብልሽውና ከም ዘቃልዖ ኣካያዲ እቲ ስራሕ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ በዓመዚ ብ 54 ሚእታዊት ብዝልዕል መጠን ደሞዝ እዩ ክዓዪ ተረኺቡ። ብኻልእ ሸነኽ ንሰራሕተኛታት ዝወሃብ መጠን ሽልማት ብ 341 ወሰኽ ምርኣዩ ውን ከም መርኣያ ዘይቅርዑው ምምሕዳርን ብልሽውናን ኮይኑ ቀሪቡ’ሎ።