ኣብ ሰነ 1972፡ ስቶክሆልም ኮንፈረንስ ከባቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ እተአንግድ ንደሓር፡ ሓደ ዕስሪት ካብቶም ኣማኢት ክትግበሩ ዝተባህሉ ሸቶታት ጥራይ ከም እተተግበሩ፡ ትካል ኣከባቢ ስቶክሆልም ኣመልኪቱ። እዚ ን ቀረጽቲ ፖሊሲ ብተኸታታሊ ለበዋታት ብምሃብ ዝፍለጥ ትካል፡ ኣብ 1972 ዝተኻየደ ን ከባቢ ዝመልከት ጒባኤኡ ሕጂ መበል 50 ዓመቱ መሊኡ’ሎ። “ሕጂ’ውን ብርክት ዝበሉ ቅልውላዋት ኣለዉና ” ክብል ሓደ ካብቶም ነዚ ጸብጻብ ዘዳለዉ ተመራመርቲ ኦሳ ፓርሾን ገሊጹ’ሎ። እቲ ጸብጻብ ማሕበራዊን ከባብያዊኢን ቅልውላው ግቡእ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝጽውዕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።