ገዚፍ ትካል ሽርሻሮ ክዳውንቲ H&M፡ ኣስታት 400 ናይ ዶገና ሰራሕተኛታቱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናብ ዝርከቡ ጨንፈራት ክዝርግሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ’ሎ ክትብል፡ ሬድዮ ሽወደን ን ማሕበር ወነንቲ ዱካን ሃንደልስ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። እዚ ንለበዳ፡ ዝቕባበን ሸመታ ኦንላይንን ሓዊስካ ብብዙሓት ረቛሒታት ይኽሰት ምህላዉ፡ ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣ “ዳገንስ ኢንዱስትሪ” ሪፖርተር ጁልያ ፎስበርግ ጸብጺባ’ላ።
ትካል H&M ኣብዚ ዓመት ክሳብ 2 ቢልዮን ክሮና ዝበጽሕ ዕቋር ክህልዎ ከም ዝደሊ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።