ቤት ፍርዲ ቴክሳስ: ንሕጊ ጸረ ምንጻል ጥንሲ ዝምጒት ክትዓት ንኽልተ ሰዓታት ከአንግድ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብ ቴክሳስ ጽንክር ዝበለ ጸረ ምንጻል ሕጊ ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ። እቲ ጥንሲ ብጾታዊ ምድፋር ዝመጸ ወይውን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ብዝተፈጸመ ጾታዊ ርክብ ዝተኽስተ እውን እንተኾነ ሽዱሽተ ሳምንታት እንተሕሊፉ ምብርዓን ጥንሲ ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ።
ብዘይካዚ: ውልቀ ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ንዝህቡ ሰብሞያን ዶክተራትን ናይ ምኽሳስ መሰል ዝህብ ብምዃኑ: ብርክት ዝበላ ክሊኒካት ከም እተዓጽዋ ጸብጻባት የመልክቱ።
ፕላንድ ፓረንትሁድ ዝተባህለ ውድብ: በዚ ሕጊ ብኣሉታ ዝተጸልዋ ደቀንስትዮን ካልእን መጽናዕቲ ዘገበረ 30 ገጽ ዝብዝሑ ሰነድ ናብ ቤት ፍርዲ ኣረኪቡ’ሎ። ኣብዚ ሰነድ: ምንጻል ጥንሲ እተኸልአት ጓል 12 ዓመት ህጻን ከም ኣብነት ቀሪባ’ላ።
ሎሚ ሰኑይ: እዚ 6 ካብ ኣባላቱ ዓቃባውያን ዝኾኑ 9 ሰባት ዘጠቓልል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ጒዳይ ክርእዮ እዩ።
ፕረሲደንት ጆ ባይደን: ነዚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅዋማዊ መሰላት ዝግህስ እዩ ብምባል ብትሪ ከም ዝነቐፎ ዝፍለጥ እዩ።