ብሕማም ኮቪድ-19 ሓንሳብ ተጠቒዑ ዝነበረ ሰብ ንኻልኣይ ግዜ በቲ ሕማም ከም ተደግሰ ዝሕብሩ ጭብጥታት ክሳብ ሎሚ ከምዘይተረኽቡ ኣማኻሪ ጨንፈር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ብመሰረት ገምጋማት ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ሓደ ሰብ፡ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ሓወየ፡ ወላ’ኳ ኣካላቱ ጸረ-ነፍሳት ኣየማዕብል፡ ንኻልኣይ ግዜ በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎታቱ ብጣዕሚ ጸቢብ ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ንኻልኣይ ግዜ በቲ ሕማም ከይልከፍ ዘሎ መጠን ሓደጋ፡ ናብ ዜሮ (ባዶ) ዝቐረበ ብምዃኑ፡ ምስ ዝኾነ ዓይነት ሰባት፡ ወላ ምስቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለታት ዝበሃሉ ኣካላት ሕብረተሰብ፡ ክሕወስ ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ።
መጠን ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን እናወሓደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዝሒ ናይቶም ናብ ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ዝመጹ ሰባት፡ ኣብ ቀጻሊ ምጉዳል ከምዝርከብ ቲግኒል ገሊጹ። ንሱ፡ ነቲ ብኣሃዱ ጥዕና ዝመሓላለፉ መምርሒታትን ንግዴታታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ምትግባር ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብትሪ ኣዘኻኺሩ።
ንምድላዋት ሽወደን ብዛዕባ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ ከጋጥም ንዝኽእል ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ኣመልኪቱ፡ ሽወደን፡ ካብ ከም በዓል ኖርወይ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ንኻልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ብዝቐለለን ብዕዉት መንገድን ክትብደሆ ከምትኽእል ብምግላጽ ዘረብኡ ዛዚሙ።