ቲግኔል ካብ ብዙሕ ዘይፍለጥ በዓል ሞያ ናብ ዋና ተጸዋዒ ሕማምት ለበዳ ሽወደን ክብ ዝበለ ሰብ እዩ። ንሱ ብዛዕባ ኮሮናን ኣተሓሕዝኡን ዝምልከት ንዝና ሽወደን ዘዕዘዘ ተራ ኣመልኪቱ ምስ Summer P1 ዕላል ጌሩ ኔሩ። ለበዳ ኮሮና ገና ከም ዘይጠፍአ ደጋጊሙ ኣዘኻኺሩ ክብል SVT ሓቢሩ።
ነቲ ሽወደን ንለበዳ ኮሮና ናብ ዶባታ ከይኣቱ ምኽልካልን ጸኒሓ ድማ ከየስፋሕፍሕ ኣብ ምዕጋት ንእተጻወተቶ ተራ ከም ኣብነታዊት ክብል ብምጉላሕ ኣቕሪብዎ። ድሕሪኡ ግና ዓለም ኣብ ዓብይ ዕልቕልቕ ለበዳ ክትኣቱን ዶባታ ክትዓጹን ጀሚራ።
ለበዳ ኮሮና ክትትንበዮ ዘሸግር እዩ፡ ኣየናይ ሜላ ክትክተል ከም ዝግባኣካ እውን ምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ። እትኽተሎም ሜላታት ኣሉታዊ ሳዕቤን ሒዞም ምምጽኦም ድማ ኣይተርፍን” ኢሉ።
” ንኣብነት ጽምዋ፡ ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይ ብሕታውነት እዩ። ሰብኡት ኣብ ገዛ ምዕጻዎም ድማ ንመጥቃዕቲ ደቀንስትዮ ከዛይድ ይኽእል እዩ” ኢሉ። ሽቕለት ኣልቦነት፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ጠንቂ ብዙሓት ሕማማት ይኸውን። ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ውን ንተማሃሮ ስእነት ማሕበራዊ ሞያ፡ መግቢን ጽቡቕ ነጥቢ ምስኣንን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ጽልዋታት የስዕበሎም። እዚ ድማ ብጽቡቕ ጥዕና ናይ ምዕባይ ዕድላቶም ዝንኪ እዩ” ክብል ወሲኹ ኣብሪሁ።
ሕጂ 64 ዝዕድሜኡ ቴግኔል ኣብ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ ኮይኑ ካብ 2013 ክሰርሕ ምጅማሩ ዝፍለጥ እዩ።
ካብ ብዙሕ ዘይፍለጥ ደረጃ ናብ ህቡብነት ዝመጸ ቴግኔል፡ ኣብ ፈለማ ፖሊሲታቱ ብዙሕ ነቐፌታ እኳ ኣምጺእሉ እንተነበረ ሕጂ ግና ኣድናቖትን ናእዳን ይረክብ ምህላዉ ኣመልኪቱ።
ፈለማ ብዛዕባ ኣብ ስፐይን ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮና ዝሰምዓሉ፡ በዓል ክሪስማስ እናኽበረ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑን ከምዚ ዓይነት ኣበዓዕላ ናይ መጨረሽታና’ዶ ይኸውን ከምዝበለን፡ እንተኾነ ግና ሸዑ ኣካቢዱ ከም ዘይረኣዮን ይገልጽ።
“ሕጂ ግና ብዓለም ደረጃ ኣማኢት ኣሸሓት ዝቐዝፍ ሕማም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” ክብል ድማ ኣዘኻኺሩ።