ኣብ 300 ነቚጣታት ቱኒዝያ፡ ብዘይ ቆጸራ ዝወሃብ ክትባት ንምርካብ፡ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድሜኦም ዜጋታት እታ ሃገር፡ ነዊሕ ሪጋ ክገብሩ ይረኣዩ ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ዕላማ ናይዚ ኣገባብ ክትባት፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ፡ ክሳብ 1 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ንምዕዳል ዝዓለመ እዩ። ቱኒዝያ ካብ ሃገራት ዓረብን ምዕራብን ሽዱሽተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትረክብ ከምዝኸኣለት ይዝከር። ክንድኡ ዝኸውን ብልቃጥ ክታበት ድማ ናብታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ክበጽሕ ምዃኑ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ቓኢስ ስዒድ፡ ብሓሙስ ሓቢሩ’ሎ።
ፕረሲደንት እታ ሃገር ነበር፡ ኣብ ጒዳይ ኮሮና ብዝገበሮ ሳንኩፍ ኣተሓሕዛ ብዝብል ምስምስ ካብ ስልጣን ከም እተኣልየን ቓኢስ ንባይቶ እታ ሃገር ከም ዝበተኖን ዝፍለጥ እዩ።
ቱኒዝያ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ዝለዓለ መጠን ለበዳ ኣጋጢምወን ካብ ዘሎ ሃገራት ኮይና፡ እታ ሃገር፡ ብምኽንያት እተኸስተ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ መጠን ሕሙማት ኣብ ዝለዓለ ኣሃዝ ብምብጽሑ፡ ስርዓተ ክታበት፡ ብናህሪ ክሰላሰል ኣለዎ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ኣብ ሃገረ ቱኒዝያ፡ 610 ሽሕ ሰባት ብኮሮና ምልካፎምን 21 ሽሕ ድማ ምሟቶን ይፍለጥ።