ፕረዚደንት ቱርክ ረሰፕ ጠይብ ዔርዶጋን፡ ኣመሪካ ንቱርኪ ኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ክትሸጠላ ዝኣተወቶ መብጽዓ እንተድኣ
ኣማሊኣ፡ ባይቶ ሃገሩ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እወ ክድምጽ ምዃኑ ማዕከን ዜና
ሮይተርስ ሓቢራ። ዔርዶጋን ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ምስ መሸጣ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾነ ነፈርቲ ኲናት ኤፍ 16 ብዕሊ
ከተኣሳስሮ ሕጂ ንፈለማ ግዜኡ እዩ። ንሱ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ቱርክ ምስ ኣመሪካዊ መዘናኡ ኣንቶኒ ብሊንከ ንዝሓለፈ
ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ዋዕላ ው/ሕ/ሃ ነዚ ጒዳይ ኣመልኪቱ ዝርርብ ምክያዱ ገሊጹ’ሎ። ዔርዶጋን
ቅድሚ ሕጂ ሃገሩ ንመመልከቲ ኔቶ ሽወደን ቅድሚ ምጽዳቓ፥ ሽወደን ኣብ ሃገራ ዝካየድ ምንዳድን ምርኻስን ቁርኣንን
ንምኽልካል ዝያዳ ክትሰርሕ ከምዘለዋ ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ሚንስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቢልስትሮም፥ ባይቶ ቱርክ ካብ ዕረፍቱ ተመሊሱ ዝመጽእ ባሕቲ ጥቅምቲ ኣብ ምግባኡ፡ ሕቶ
ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከጽድቕ እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን
ብቕድሚ ትማል ሶኑይ ኣብቲ ሓድሽ ዝተኸፍተ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ምንም
ዘሀውኽ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ ሽወደን ን “ዲሞክራስያዊ ባህሪ” ሃገሩ ትፈታተን ምህላዋ ከሲሱ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ
ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ምስ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዋላ’ኳ ካብ ቡዳፐስት ዝመጽእ
ምልክታት ኣሉታዊ እኳ እንተኾነ፡ ምንም ስክፍታ ከም ዘይስምዖ ብምግላጽ፡ ቅድሚ ሰሙን ኣብዚሉ ንዝሃቦ ሓበሬታ
ደጊምዎ’ሎ። ባይቶ ቱርኪን ሃንጋሪን ኣብ ኔቶ ብዘለወን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ ስልጣነን ብምጥቃም ን ንሕቶ ኣባላነት
ሽወደን ናብ ኔቶ ዓጊተን ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።