ካብ መላእ ኣድመጽቲ ሽወደን እቶም 23.7% ጥራይ ንሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ከም ዝድግፉን እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተመዝገበ ኣሃዝ እቲ ዝተሓተ ምዃኑ ኤድዮ ኤኮት ዘጣለሎ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። “እዚ ከም ሓደ ሽግር ጌርና ኣይንርእዮን ኢና፡ ክንቅይሮ ከም እንኽእል እውን ምትእምማን ኣሎኒ” ክትብል ጸሓፊት እቲ ሰልፊ ሌና ራድስቶር ባስታድ ነታ ሬድዮ ገሊጻ’ላ። ብመሰረት እዚ ዳህሳስ ኣብ ምግስጋስ ዝርከብ እንኮ ሰልፊ ጸጋማዊ ክኸውን እንከሎ 10.4% ረኺቡ’ሎ። ጸሓፊ እቲ ሰልፊ ኣሮን ኤትዝለር በዚ ከም ዘይግረምን ሽወደናውያን ጸጋማይ ሰልፊ ጸላዊ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ኣጸቢቑ ከም ዝፈልጥን እዩ ገሊጹ ዘሎ።
እዚ ድምጺ ኣብ 9299 ሰባት ዝተኻየደ ኰይኑ ተሳታፍነት ኖኡስ ሰንተር ሴይፉስን ኤስፖስን (centers of Novus, Canter Seifu and Espos) እውን ከም ዝነበሮ ተፈሊጡ። ናይ ካልኦት መጠን ኣሃዝ ተቐባልነት እዚ ዝስዕብ እዩ።
ሰልፊ ጸጋም: 10.4
ሰልፊ ኣከባቢ : 4.5
ሰልፊ ጋቨርኖርስ: 17.8
ሰልፊ ሊበራላውያን : 3.7
ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ: 6.4
ሰልፊ ዋይስት: 8.7
ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ: 23.3
ካላኦት: 1.6