ተጻዋታይ ቴኒስ ሚካኤል ይመር ን 18 ኣዋርሕ ካብ ቴኒስ ተኣጊዱ። ይመር ክልተ መርመራታት ዘይምግባሩ፥ ሳልሰይቲ ግና
ምትግባሩ ተኣሚኑ’ሎ። ዝተኸልከሉ ንጥረ ነገራት ተጠቒሙ ከም ዘይፈልጥን፡ እቲ ውሳነ እገዳ "ዘይፍትሓዊ" ኮይኑ ከም
ዝረኸቦን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እዚ መቕጻዕቲ፡ ይመር ሎሚ ዓመትን ዝመጽእን ኩሉ
ውድድራት፥ እንተላይ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኦሎምፒክ 2024 ኣይክሳተፍን እዩ።