ተጠቀምቲ ባቡር ስቶክሆልም ብኣማኢት ዝቚጸር ምድንጓይን ምስራዝን ጒዕዞ ከም ዘጋጠሞም ተገሊጹ። እዚ ዝተኸስተ 350
ዝኾኑ ኣካየድቲ ባቡር ብዘገምታ ካብ ስራሕ ክወጹ ድሕሪ ዝተመሓላለፈ ውሳነ እዩ።
"እዚ ኲነታት ሕክምናዊ ስርሒት ከተካይድ ብምባል ንዂለን ነርሳት ናብ ዶክተር ከም ምውሳድ ክምሰል ይኽእል እዩ። ባቡራትና
ካብ 1500 ክሳብ 1700 ሰባት ክጽዕና ይኽእላ እየን። ናይ ክንድዚ ዝኣክል ሰብ ሓላፍነት ምውሳድ ከቢድ እዩ" ክብል ኣካያዲ
ባቡር ከምኡ’ውን ኣብ “ማሕበር ባቡራት ስቶክሆልም” ወኪል ጥዕናን ድሕነትን ኑሩ ማግራም ገሊጹ’ሎ።
"ዝመጽእ ሰሙን ናብ ንቡር ስራሕና ከም እንምለስ ዝኾነ ውሕስነት የብልናን፡ እንተኾነ ግና ኣብ ዝቐልጠፈ ክንምለስ ኣበርቲዕና
ንሰርሕ ኢና ዘሎና" ክብል ኣብ MTR, ኣካያዲ ርክባት ኒክላስ ኤክስትሮም ኣመልኪቱ።