ህቡን ህንዳዊ ተዋሳኣይ ቦሊዉድ: ነስረዲን ሻህ: ንምምላስ ጣሊባን ናብ ከተማ ካቡል ኣመልኪቶም ንዝደገፉ ህንዳውያን ኣስላም ብትሪ ነቒፉ።
ንሱ: ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝፈነዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ “ሓደ ዕቡድ ባርባራዊ ጒጅለ ተዓዊቱ ኢልካ ምዕላል ናይ ጥዕና ኣይኮነን” ኢሉ። በዚ ካብ ገለ ተኸተልቲ እስልምና ህንዳውያን ነቐፌታ እኳ እንተዘነቦ ህንዲ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ BJP ግና ንነስረዲን ሻህ: ስለቲ ተባዕ ርእይቶኡ ብምምጓስ ጣሊባን ክዂነን ዝግብኦ ጒጅለ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
71 ዝዕድሜኡ ነስረዲን ሻህ “እዞም ንጣሊባን እትድግፉ ሰባት ንባዕልኹም ሓንቲ ሕቶ ክትምልሱ ይግባእ። ኣብ ጭው ዝበለ ባርባራውን ስርዓት ክትነብሩ ዲኹም ትደልዩ ወይስ ኣብ ስልጡን እስላማዊ ኣተሓሳስባ?” ክብል ሞጒትዎም ኣሎ። ንሱ ወሲኹ ኣነ ህንዳዊ ኣስላማይ እየ። ፖለቲካ ንበይኑ ሃይማኖት ንበይኑ እዩ። ክልቲኡ ክደባልቕ ኣይደልን እየ ኢሉ’ሎ።