ናይ 2022 ሽልማት ኖቤል ዓውዲ ስነቅመማ–“ኬሚስትሪ”–፡ ን ካሮሊን በርቶዚን ባሪ ሻፕለስን ተዋሂቡ። እዞም ክልተተመራመርቲ፡ “ሞሎኲዩላት ንሓድሕዶም ዝተሓዛዘልሉ” ኣገባብ ብምምዕባሎም እዮም ነዚ ሽልማት በቒዖም ዘለዉተባሂሉ’ሎ። ካሮሊን በርቶዚን ባሪ ሻፕለስን “ተግባራዊ” ዓይነት ስነ-ቅመማ ንኽምዕብል መሰረት ኣንቢሮም ኣለዉ ክብልንጒሳዊ ኣካዳሚ ሳየንስ ሽወደን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ’ሎ። እዚ“ክሊክ ኬሚስትሪ” እንተባህለ ዝጽዋዕ ኣገባብ ስነቅመማ፡ እምነ መሰረታት ሞለኩዩላት ብስሉጥን ብቕጽበትንንሓድሕዶም ክተሓናገሩ ዝገብር ብምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝገብሮ ዝሓበረ እቲ ኣካዳሚ፡ እዞም ክልተ ክኢላታት ኣገባብ“ክሊክ ኬሚስትሪ” ኣብ ህያዋን ዋህዮታት ክውዕልብምግባሮም ንዓውዲ ስነቅመማ ናብ ሓድሽ ደረጃ ክምዕብልገዚፍ ኣበርክቶ ጌሮም ኣለዉ ክብል ወሲኹ ሞጊስዎም ኣሎ።
ኣመሪካዊ ባሪ ሻፕለስ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ንሽማት ኖቤልበቒዑ ዘሎ። ኣብዚ ተላፋኒት ተሸላሚት ዝኾነት ካሮሊን ከኣኣብ ዓውዲ ኬሚስትሪ መበል ሻምነይቲ ጓለንስተይቲ ተሸላሚትኖቤል እያ—ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን።