ክትባት ጸረ ኮቪድ-19፡ ኦክስፎርድ ኣስትራዘነካ፡ ዝወሰዱ ሰባት ኣብ ደሞም ምርጋእ ንክኽሰት ዝድርኽ ባእታ ምልላዮም ተመራመርቲ ገሊጾም።
ኣብ ደም ዝርከብ ፕሮቴን ብኸመይ ናብዚ ኣገዳሲ ኣካል ክታበት ከም ዝሰሓብ እዞም ኣብ ካርዲፍን ኣመሪካን ዝመደብሮም ጒጅለ ተመራመርቲ ዝርዝራዊ ዝኾነ መብርሂ ሂቦም ኣለዉ።
እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ክስተት፡ ኣብ ባህርያዊ ስርዓተ ምክልኻ ሕማም ኣካላትና ተኸታታሊ ውህደት ከም ዘጋጥም ብምግባር ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ምርጋእ ደም የስዕብ እዩ ዝብል እምንቶ ከም ዘለዎም እውን እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ገሊጾም። እዚ ክትባት ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ኮቪድ ከም ዘድሓነ እዩ ዝሕሰብ። ይዂንምበር ብዛዕባዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ምርጋእ ደም ዘሎ ሻቕላታት እዚ ክታበት ኣብ ጠቕሚ ዝውዕለሉ ዘሎ ኣገባብ ንኽቕየርን ኣብ ብሪጣንያ ትሕቲ 40 ንዝዕድሜኦም ካልእ ኣማራጺ ንኽርከብ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ እዚ ሳዕቤን ብኸመይ ክንከላኸሎ ንኽእል ዝብል ሓድሽ ሳይነሳዊ ሃድን ኣብ ልዕሊ ምፍጣሩ ነዚ ሕቶ ንምምላስ እዞም ጒጅለ ካርዲፍ ካብ መንግስቲ ገዚፍ ምወላ ክስለዓሎም ጌሩ’ሎ። እዞም ጉጅለ ውጻኢቶም ዕላዊ ድሕሪ ምግባሮም ተመራመርቲ ኣስትራዘነካ እውን ከይተረፉ ኣብዚ መጽናዕቲ ተጸንቢሮም ምህላዎም ጸብጻብ ቢቢሲ ወሲኹ ኣረጋጊጹ።
እዚ ምርጋእ ደም፡ ብሰንኪ ረኽሲ ኮቪድ እምበር በቲ ክታበት ኣይኮነን ዝኽሰት ዘሎ ዝበለ ኣፈኛ ኣስትራዘነካ፡ እዚ ጒዳይ ብኸመይ ከም ዝፍጠር ዘሎ ገና ጥሉል ሓበሬታ የለን ክብል ገሊጹ’ሎ።