ኣዝዩ ስሙይ “ቮድካ” ሽወደን–ኣብሶሉት–ዳግማይ ናብ ሩስያ ሰደድ ክግበር እዩ። ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እዚ
ሰደድ ንኣስታት ሓደ ዓመት ደው ኢሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ብ ወላዲ ኲባንያ ኣስቦሉት ዝኾነ “ፐርኖድ ሪካርድ” እተወስደ
ውሳነ፥ ብ ፖለቲከኛታት ሽወደን ሓዊስካ ናይ ኦንላይን ነቐፌታ ከም ዘጋጠሞ ተፈሊጡ’ሎ። ሓንቲ ፍልጥቲ ጋዜጣ ሽወደን እዚ
ፍርያት ክእገድ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባ’ላ። እዚ ቮድካ ኣብ ዝፈርየሉ ደቡባዊ ሽወደን ናይ እትሕተም ጋዜጣ ኤክስፕሎደት ጸሓፊት
ርእሰ ዓንቀጽ ዝኾነት ሶፍያ ነርብራንት፥ እዚ ናብ ሩስያ ዝግበር ዘሎ ሰደድ ምቕጻሉ ኢሞራላዊን ዘየድሊን እዩ ክትብል ብትሪ
ነቒፋ’ላ። ካልኦት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን እውን ነዚ ሓሳብ ከጋውሑ ተራእዮም እዮም።
ካብ ሊበራላዊ ሰልፊ ባይቶ ሽወደን ዝኾነ ካርሊን ካርድስፕሩ ብወገኑ፥ እዚ ስጒምቲ ነቲ ብሰንኪ ወራራ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ
ዘሎ ኣህጒራዊ እገዳ ሽለል ዝብል እዩ ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ’ሎ።