ቪታሚን ካብቲ እንምገቦ መግቢ እንረኸቦ ንጥዕናና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኦርጋኒክ-ኮምፓውንድ እዩ። ቪታሚን ብውሑድ ዓቐን ኢና እንረኽቦ። እዚ ነቲ ኣካልና ዝጠልቦ ግን እኹል እዩ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ክኸውን ዘኽኣሎ፡ ብስእነት ወይ ብዋሕዲ ቪታሚን ሕማም ከስዕብን ንመልከፍቲ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከዳኽሞን ስለ ዝኽእል እዩ። ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮኣዊን ቪታሚናት ሓደ ዓይነት ጽልዋ እዩ ዘሎዎም። ኣስማት ዓይነታት ቪታሚን እተሓላለኹ ብምኻኖም ብዝቐለለ፡ ብፊደላት A,B,C,D,E… ወ.ዘ.ተ. ንረኽቦም። ኵሎም ቪታሚናት ኣብ ክልተ ክኽፈሉ ይኽእሉ።
ኣብ ማይ ዝሓቁን ኣብ ስብሒ ዝሓቁን ቪታሚናት። ብስብሒ ክሓቁ ዝኽእሉ ከም A,D,E,K ኣብ ኣካልና ክኽዘኑ ይኽእሉ። ኣብ ማይ ዝሓቁ ከም ቪታሚን Cን ገለ ካብ ቪታሚን Bን ኣብ ኣካልና ክኽዘኑ ስለ ዘይክእሉ ብቐጻሊ ክንምገቦም ኣለና። ብሩሃት የዒንቲ፡ ጽቡቕ ቈርበትን ልዑል ተጻዋርነትን ዘጥሪ ቪታሚን A እዩ። ካብ ብጫን ቀጠልያን ኣቝጽልቲ፡ ፍረታት፡ እንቋቍሖ፡ ጸላም ከብዲን ጠስምን ክርከብ ይከኣል።
ቪታሚን C ንምህናጽ ተጻዋርነት ነድሪን መልከፍትን ይሕግዝ፡ ንቱሽታትና፡ ኣዕጽምቲናን ኣስናናን ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ፍረታትን ጥረ-ኣሕምልቲን ንረኽቦ። ቪታሚን D ካብ ዘይቲ ዓሳ ዝያዳ ዝርከብ ኰይኑ ኣብ ምህናጽ ጥዑይ ኣካል ግደኡ ይጻወት። 18 ኣባላት ዘሎዎ ቪታሚን B ንመትንታትና፡ ቈርበትናን ደምናን ጥዕና ይህቦም።