ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ኣብ እዋን ምርጫ፡ ኣታዊታት ግብሪ ኣይክውስኽን እየ ክብል ዝኣተዎ መብጻዓ ሰይሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ምኽንያት ብምግባር፡ ኣታውታት ግብሪ ክውስኽ፡ እማመ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ዓመተ 2019፡ ንምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሕጹይ ኮይነ ኣብ ዝቐረብኩሉ እዋን ዝኣተኽዎ መብጻዓ ይሰብር ምህላወይ ይርዳኣኒ እዩ ክብል፡ ጆንሶን፡ ተኣሚኑ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ባይቶ ዝኾኑ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ውን፡ ጆንሶን፡ ነዚ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ዓቢ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒት ከም ዝተሰመዖም ገሊጾም። ንመንግስቲ ብሪጣንያ ኣቚሞም ዘለዉ ወገናት ውን፡ ኣብዚ ጉዳይ፡ ተመቓቒሎም ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ይኹን እምበር፡ ኣቐዲመ መብጻዓ ክኣቱ እንከለኹ፡ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና ኣብ ትጽቢት ከምዘይነበረ ከዘኻኽር ይደሊ ክብል፡ ጆንሶን፡ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት እዚ እማመ፡ እቲ ንውሕስነት ጥዕና ተባሂሉ ክውሰኽ ተሓሲቡ ዘሎ መጠን ግብሪ፡ 1.25%፡ ካብ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ክእከብ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብቲ እማመ
እዚ ውሳኔ ብጣዕሚ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ሓላፍነታዊ ግን እዩ ክብል፡ ጆንሶን፡ ሓቢሩ።
እቲ መጠን ወሰኽ፡ ብገንዘብ ክትመን እንከሎ፡ ክሳብ 36 ቢልዮን ፓውንድ ኮይኑ፡ ንሰለስተ ዓመታት ዝቕጽል ክኸውን እዩ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ እማመ፡ ሃገረ ብሪጣንያ ምስተን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ መጠን ግብሪ ዝወሰኻ ሃገራት ጀርመን፡ ፈረንሳን ጃፓንን ክትስራዕ እያ። መጠን ምውሳኽ ግብሪ ናይዘን ሃገራት፡ ምስ መጠን ብዝሒ ዓበይቲ ዝኾኑ ዜጋታተን ብምዝማድ ዝተፈጸመ ምንባሩ ይዝከር።