ኣብ ያቭለ እትርከብ፡ ካብ መባእታ ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ እትምህርት እስላማዊት ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ኒያ ካስተት (Nya Kastet) ካብ መጀመርታ ዓመተ 2021፡ ስራሓ ከትቋርጽን ክትዕጾ ምዃናን ተቖጻጻሪት ቤት ትምህርታት ወሲና ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።
እዚ ዝተወስደ ውሳኔ፡ ብሰንኪ ርክብ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ምስ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ዘለዎም ወገናት ምዃኑን፡ እቶም ተማሃሮ ድማ ንሓደጋ ተቓሊዕም ምህላዎምን እዩ ተባሂሉ። ሚኒትስተር ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣና ኢክስትሮም፡ ብወገና፡ ነዚ ውሳኔ ከምዝተቐበለቶ፡ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ።
ብምዕጻው ናይዛ ቤት ትምህርቲ፡ ኣስታት 120 ተማሃሮ ክጽለዉ ምዃኖም ዝሓበረት፡ ተቖጻጻሪት ቤት ትምህርታት፡ እዛ ቤት ትምህርቲ፡ ንጉዳያ ምዕጻዋ ብዝምልከት ኣብ ቤት ፍርዲ ክትካታዕ ከምትኽእል ኣዘኻኺራ።
ቀዳማይ ወናኒ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ሰብ፡ ምስ ሰለስተ ካብቶም ንጸጥታ ሽወደን ኣስጋእቲ ዝበሃሉ ሰባት ርክብ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዛ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ፡ ነቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ምክትል ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ሰብ ከምዝሸጣ ይፍለጥ።
መንግስቲ፡ ንገለ ቤት ትምህርታት ኣብ ዝዓጽወሉ እዋን፡ ምምሕዳራት ከተማ (Kommuner)፡ ነቶም ተማሃሮ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ዘለዋ ቤት ትምህርታት ከእትዋ ሓላፍነተን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እቶም ተማሃሮ፡ ካልእ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ክመርጹ መሰል ኣለዎም። ኣንፈት መጻኢ ዕድል ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ኒያ ካስተት ናበይ ምዃኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።
ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ተቖጻጻሪት ቤት ትምህርታት፡ ንመጠንቀቕታታት ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሽወደን ምርኩስ ብምግባር፡ ንመውዓሊ ህጻናት “ ቢላል” ከምዝዓጸወ ይዝከር።