ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት: ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ: ተሓይሩ ዝርከብ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ዝኾነ ዳዊት ኢሳቕ ብዝምልከት: መባእታዊ መርመራ ንኽጅመር ዝቐረበ ጠለብ: ፋይሉ ክኽፈት ከምዘይክእል ውሳነ ተዋሂብዎ ምንባሩን ሕጂ ውን እቲ ውሳነ ብዘይ ለውጢ ከምዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ብዕለት 12 ጥሪ: ኣኽባሪት ሕጊ ካሮሊና ቪስላንደር: ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሓድሽ ፋይል ንኸይክፈት ውሳነ ከምዘመሓላለፈት ይዝከር። ነቲ ኣብ ልዕሊ ዳዊት ኢሳቕ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበን ወይ ግህሰት: ንምርግጋጽ ዝከኣል ከምዘይኮነ ብምጥቃስ: ነቲ ውሳነ ከምዘመሓላለፎ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ከም መርትዖ ኣቕሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት: ጉዳይ ዳዊት: ከም እንደገና ክረአ: ብዙሓት ሰባት: ናብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ: ብመንገዲ ደብዳቤታት: ጠለባት ክቐርቡ እካ እንተጸንሑ: ነቲ ወድዓዊ ኩነታት ዝቕይሩ ምዕባለታት ብዘይ ምርፍጣሮም: እቲ መርመራ ከም እንደገና ክኽፈት ከምዘይክእል: ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ: ለናርት ጉነ: ትማሊ ዓርቢ ገሊጹ።