ቊጽሪ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቚባን ጀርመን 2 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ። ኣብ መወዳእታ 2018 ቊጽሪ ስደተኛታት ከባቢ 1.8 ከም ዝነበረን ካብዚኣቶም እቶም 1.3 ናይ ምንባር መሰል ከም እተዋህቦምን ቢሮ ኣታቲስቲክስ ፈደራል ጀርመን ገሊጹ። እዞም ናይ መንበሪ ፍቓድ እተዋህቦም መብዛሕትኦም ካብ ሶርያ፥ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝተሰዱ እዮም።
ብመሰረት ጸብጻባት OCHA ኣብ 2018 ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ዘይተመሓላለፈሎም ስደተኛታት ልዕሊ 300 ሽሕ ምዃኖም ይፍለጥ። ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቱርክን ኢራንን ዕቚባ ናይ ዝሓቱ ሰባት ቊጽሪ እናለዓለ ምምጽኡ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።