ቢልጌትስ፡ እቲ ብሃብቱ ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ሰብ እዩ። ንሱ ዋላ’ኳ ብሃብቱ ኣዝዩ ፍሉጥ ሰብ ኣብ ዓለም እንተኾነ፡ ዝኾነ ሰብ ዘይፈልጦ ሓቅታት እውን ኣለዎ። ቢልጌትስ፡ ሃብታም፡ እቲ ፍሉጥ ኣብ ዓለምና ዘሎ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ‘ማይክሮሶፍት’ ዝውንን፡ ከምኡ’ውን ለዋህ ገባሪ ሰናይ ምዃኑ እዩ እንፈልጦን ዝንገረናን። እዞም ዝስዕቡ ሓቅታት እውን ብዛዕባ ቢልጌትስ እዮም።
ቢልጌትስ፡ እታ ናይ መጀመሪያ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም፡ ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ኤለክትሪክ ኮምፕዩተር እዩ ሰሪሕዋ። እታ እናተማህረ እንከሎ ዝሰርሓ ፕሮግራም፡ መጻወቲት ጌም ‘ቲክ ታክ ቶይ’ እያ ኔራ። እዛ ጌም ኣንጻር እታ መሳርሒት ወይ ኮምፕዩተር ንምጽዋት ድማ እዩ ሰሪሑዋ።
• ቢልጌትስ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምንባብ ይፈቱ ከም ዝነበረ ይግለጽ። ንሱ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኩሉ ናይ ዓለም ኢንሳይክሎፔድያ ከም ዘንበቦ እውን ይሕብር።
• ቢልጌትስ፡ ብዝጥቀሞም ዝነበረ ኮድ ኣዝዩ ፍሉጥ’ዩ ኔሩ። ቤት-ትምህርቱ ብቕዓት ናይ ዝሰርሖም ዝነበረ ኮዳት ድሕሪ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ናይቲ ቤትትምህርቲ ምደባ ተመሃሮ ክሰርሓሎም ሓቲቶሞ እዮም።
• ቢልጌትስ፡ ካብ ናቱ ወጻኢ ካልእ ቋንቋ ዘይፈልጥ ብምዃኑ፡ ኩሉ ግዜ ምስ ተጣዕሰ እዩ።
• ቢልጌትስ፡ ንመጽሔት ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ንባብ እቲ ቀንዲ መገዲ ንዝተመሃርኩዎም ሓደሽቲ ነገራትን፡ ንዘለዉኒ ፍልጠታት ክውስኽ ዝሓገዘንን እዩ” ክብል ገሊጹ።