ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ እተኸስተ ምፍንጃር መትረብ ጋዝ “ኖርድ ስትሪም” 1ን 2ን፡ ን ዩክሬይን ብዝድግፉ
ጒጅለታት ዝተኻየደ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ብርክት ዝበላ ጋዜጣታት ጀርመን–እንተላይ “ዲ ዘይት”– ይጽሕፋ’ለዋ። ሽዱሽተ
ሰባት ካብ ሮስቶክ–ጀርመን–ጃልባ ተኻርዮም ናብተን መትረባት ጋዝ ዝርከባሉ ከባቢ ክኸዱ ከም እተራእዩ፡ እተን ጋዜጣታት
ተሪኸን ኣለዋ።
እዚ እናኾነ እዚ ዝርዝራት ክሳብ ክንደይ ርግጽ እዩ ንምፍላጥ ዘሸግር እኳ እንተኾነ፡ ኣገዳሲ እዩ ክብል ሓደ ሽወደናዊ ክኢላ ገሊጹ።
ይዂንምንበር፡ ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶለንበርግ እዚ ገዚፍ ጒዳይ እዩ፡ ኣብ ግምት እተሞርከሶ ሓበሬታ ምሃብ ከኣ ቅቡል ኣይኮነን፡
ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ።