ትማሊ ኣብ ማልታ ኣርባዕተ ሃገራት ኣውሮጳ ኣኼባ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጒዳያት የካይዳ ምህላወን ተፈሊጡ። እቲ መዛተዪ ዛዕባ ምቕርሐ ስደተኛታት፥ ሕቶ ዕቚባን ብወገን ባሕሪ ሜዲተራንያን ናብ ኣህጒር ኣውሮጳ ብዛዕባ ዝኣትዉ ዘለዉ ዋሕዚ ስደትን እዩ። አአንጋዲት ሃገር ሓዊስካ ወከልቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት፥ ኢጣልያ፥ ፈረንሳይ፡ ጀርመንን ህሉው ፕረዚደንት እቲ ሕብረት ዝኾነ ፊንላንዳዊን ኣብዚ ኣኼባ ይሳተፉ ምግላዎም ድማ ተፈሊጡ።
ሓሳባትን ኣጠማምታን እዞም ሚኒስተራት ኣብ ዝቕጽል ኣሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ኣውሮጳ ንዝቕጽል ጥቅምቲ 8 ከም ዝጋባእ ከኣ ተገሊጹ’ሎ። ኲነታት ስደተኛታትን መጻእተኛታትን ባሕሪ መዲተራንያን ኣብ መንጐ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳ መሰሓሓቢ ጒዳይ ኮይኑ ምጽንሒ ዝፍለጥ ኮይኑ ሃንጋሪን ፖላንድን ነቲ ምቕርሐ ዝብል ሓሳባት ኣጥቢቐን ከም ዝቃወማኦ ይፍለጥ።