ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2020፡ ኣስታት 475 000 ምዝጉባት ደለይቲ ስራሕ ከምዝነበሩን እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ 2019 ክነጻጸር ከሎ ኣስታት 126 000 ዝያዳ ደለይቲ ስራሕ ከምተመዝገቡ፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ይሕብሩ። እዚ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ 7% ናብ 9.1 % ከምዝውስክ ጌርዎዩ።
ከፋፊልካ ምስ ዝረኣይ፡ ኣስታት 72 000 ደለይቲ ስራሕ መናእሰያት ምኻኖም እዩ። እዚ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ መንእሰያት ናብ 13.3% ምዕራጉ የርእይ። ሽሕ’ኳ ዕዳጋ ስራሕ ኣሸጋሪ እንተሃለወ፡ ብመንጽሩ፡ ቁጽሪ ናይቶም ናብ ትምርቲ ወይ ስራሕ ዝኣትዉ ዘለዉ፡ ይውስክ ምህላው ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብር። እዚ ድማ ምልክታት ምንቅቃሕ ዕዳጋታት ስራሕ ምዃኑን፡ እቶም መብዛሕቶም ካብዚኣቶም ድማ ብ ምክንያት ኮሮና ካብ ስራሕ ዝወጹን ወይ ድማ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም እዮም።
ኣስታት 9000 ዝኾኑ መንእሰያት፡ ናብ ትምርቲ ተዋፊሮም ምህላዎምን ቀንዲ ምክንያት ናይዚ ድማ ብዝሒ ዘለዎም ክፍቲ ዝኾኑ ናይ ትምህርቲ ዝጠልቡ ቦታታት ምህላዎም እዩ። ከምቲ ልሙድ፡ ኣብ ጊዜ ጽንኩር ኩነታት ዕዳጋ ስራሕ፡ ኩነታት ስራሕ ስለ ዝቕየር፡ ሰባት፡ ዓቕሞም ንምምዕባልን ንምቅርራብን፡ ዝወስድዎ ዉሳነዩ ።
ብተወሳኺ፡ ኣስታት 28675 ደለይቲ ስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስራሕ ከምዝረከቡ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ምንጪ: Arbetsförmedlingen