ፍርቂ ምምሕዳራት ሃገረ ሽወደን ንቤት ትምህርታት ዝኽፈል ገንዘብ ብምቑጣበን ንብዙሓት ከም ዘቖጠዐ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈነወ ዜና ተሓቢሩ። ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ህዝቢ ኣብ ጽርግያታት ናይ ዓሰርተ ክልተ ከተማታት ብምውጻእ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ።
ፖለቲከኛታት ሽወደን እቲ ንቤት ትምህርታትን መዛናግዒ ቦታታትን ተባሂሉ ዝስልዕዎ መጠን ገንዘብ ከዛይድዎ ከምዘለዎም ሰልፈኛታት ጠለቦም ኣቕሪቦም። ” ሰራሕተኛታት እዚ መዛናግዒ ተመሃሮ ክሳብ ሎም ዝከኣለና ክንገብር ጸኒሕና ካብዚ ንላዕሊ ተጸሚምና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ እዚ ዝግበር ዘሎ በቃ፡ ደው ይበል።” ክትብል ኣብቲ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፈት ካሪና ላርሰን ዝተባህለት ሰራሕተኛ ኣብ ኣርቦጋ (Arboga) ዝርከብ ቦታ ተዛሪባ።