ሰብ መዚ ናይቶም ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝዋግኡን ብኣመሪካ ዝድገፉን ሓይልታት ሶርያ፡ 34 ደቂ ዳዕሽ ዝኾኑ ህጻናት፡ ንሩስያ ምርካቦም ኩርዳውያን ሰብ መዚ ገሊጾም።
እዞም ዕድሜኦም ካብ 3 ክሳብ 14 ዓመት ዝበጽሑ ደቂ ዳዕሽ፡ ኣብ መንጎ ኣመሓደርቲ ከባብን ተወከልቲ መንግስቲ ሩስያን ኣብ ከተማ ቓምሽሊ ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ እዮም ናብ ሩስያ ከም ዝርከቡ ተጌሩ ክትብል ድምጺ ኣመሪካ ኣቃሊሓ።
እዞም ደቂ ዳዕሽ፡ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ኲናት ዝዘኽተሙ ኮይኖም፡ ካብ ሩስያውያን ተዋጋእቲ ከም እተወልዱ ብመርመራ DNA ከም እተረጋገጸ፡ በዓልመዚ ርእሰ ምምሕዳር ሰሜናውን ምብራቓውን ሶርያ፡ ዓብዱልከሪም ዑመር፡ ገሊጹ።
ኮሚሽነር መሰል ህጻናት መንግስቲ ሩስያ፡ ኣና ኩትነሶቫ፡ ብወገና፡ ኲሎም ናይ ሩስያ ዘርኢ ዘለዎም ዘኻትም ህጻናት ዳዕሽ፡ ናብ ሩስያ ክትወስዶም ምዃና ገሊጻ’ላ።
ኣብ መዓስከር ስድራቤት ዳዕሽ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ውሉዳት ሩስያ ምህላዎም ብልክዕ እኳ እንተዘይኮነ ክሳብ 200 ይበጽሑ እዮም ዝብል ግምት ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብቲ መዓስከራት ብዘይካ ኣንስትን ቆልዑን 10 ሽሕ ዝኾኑ ምሩኻት ወተሃደራት ዳዕሽ ከም ዝርከቡን ካብዚኣቶም 2 ሽሕ ዜጋታት ምዕራባውያን ሃገራት ምኳኖምን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።